እዚ ትመሃሩ
- ብ ጽሓፋት ፥ድምጺ ይኹን ስእልታት ናይ ምትራኽ ክእለት
- ብዛዕባ ናይ ሚድያ ጽልዋ፣ ናይ ሚድያ ታሪኽን ጋዜጠኛነት
- መልእኽቲታት፣ ኣገላልፃታትን ኣቀማምጠታትን ቅርጺ ምትሓዝ
- ናይ ስርዓት ጥቅሚ፣ ቀለምን ናይ መብራህትታት ውጽኢትን
- ናይ ዲጂታል ዓቕሚ ናብ ዝለዓለ ምዕባይ
- ክልስ ሓሳባዊ ትምህርቲ
ክትኮኖ ዘለካ
- ኣብ ጽሑፍ ይኹን ናይ ቃል አገላልጻክህልወካ ኣለዎ
- ናይ ስነ ጽባቀ ስምዒትን ጽቡቅ ቀለም ምልላይ
- ኣብ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ዲጂታል ሚድያን ድለየት
መወዳእታ ተማዕብሎ
- ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ተወሳኺ ደረጃ ትምህርቲን ክትወስድ ትኽእል።
ዝላዓለ ትምህርቲ እንተወሲድኩም፣ ገለ ካብቶም ክትኮንዎም ትኽእሉ ሞያታት፥
- ጋዜጠኛ፣ጸሓፊ ቅዳሕ ወይ ትሕዝቶ ሰራሒ
- ናይ መርበብ ነዳፊ፣ ናይ ርክብ ነዳፊ ወይ ናይ ጸወታታት ነዳፊ
- ናይ ድምጺ ኪኢላ ወይ መምረቲ ፊልምን ድምጽን
- ናይ ርክብ ኣማኻሪ ወይ ናይ ሚድያን ማሕበረሰብ ኣማኻሪ
ብተወሳኺ ኻሊእ ሞያዊ ትምህርቲ ምውሳድ ይካኣል እዩ --ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬት እነተለካ ናብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ።
ናይ ስራሕ ቦታ ክኾኑ ዝኽእሉ
- ጋዜጣ ወይ መጽሄት li>
- ናይ ሌላ ወኪል ወይ ናይ መራኸብቲ ወኪል
- ናይ ምህርቲ ድርጅታት ወይ መራኸብቲ ድርጅታት
- ናይ ህዝቢ ድርጅታት
ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ
.ብሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ናብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ። ነገር ግን ሓደሓደ ትምህርትታት ፍሉይ ናይ ምቅባል ጠለባት የድልዮ እዩ።
- መእተዊ ፈተና: ናይ ወተደራዊ ሓይልን ናይ ነርወይ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኣካለዊ መመዘንታት ኣለውዎም። ናይ ስፖርትን ኣካለዊ ምንቅስቃስን ትምህርቲ እንድሕር ወሲድኩም ናይ ኣካለዊ ምንቅስቃስ ፈተና ንምውሳድ ጽቡቕ መሰረት ይህልወኩም።
- ናይ ሳይንስ መምዘኒታት : ሓደ ሓደ ትምህርትታት ዝተወሰነ ናይ ሳይንስ ፍልጠት ክትሕዝ ይሓቱኻ እዮም። ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርትታትን። ኣብዚ ዝስዕብ ንዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ናይ መእተዊ መመዘኒታት ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም samordnaopptak.no። ኣብ ሓደሓደ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኩሎም ዘድልይዎም ሳይንሳት ንምስታፍ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲታት ምስ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስን ሒሳብን ፍለይ ትምህርቲ Vg2 ከምኡውን Vg3 እንተወሲዶም፣ እቲ ዘድልዮም ሳይንስ ናይ ምውሳድ ዓብዪ ዕድል ይህልዎም።
Valg av fag i utdanningsprogram for medier og kommunikasjon
- Tre programfag kan du velge selv, ett på Vg2 og to på Vg3.
- De valgfrie programfagene kan være videre spesialisering innen medier og kommunikasjon og/eller fag fra et annet programområde i studieforberedende utdanningsprogram (for eksempel realfag eller fremmedspråk).
- Det er opp til skolen din hvilke programfag som tilbys.
- Hadde du ikke fremmedspråk på ungdomstrinnet? Da må du ta fremmedspråk som fellesfag på Vg3 istedenfor ett av de to valgfrie programfagene på Vg3.
- Har du spesielle framtidsdrømmer? Da bør du sjekke opptakskravene til studiene, før du velger fag.
- Programfag i fremmedspråk og realfag gir tilleggspoeng ved opptak til høyere utdanning.