ሙዚቃ፣ ሳዕስዒትን ተዋስኦን

ብፍሉይ ከተጽንዖ እትደልዮ

እዚ ትመሃር

ብመሰረት ዝመረጽካዮ ዓይነት ትምህርቲ:

  • ናይ ሙዚቃ ትርኢት ብውልቀን ምስ ካልኦት ዝግበር ጸወታ
  • ናይ ሳዕሳዒት ተርኢት፣ ናይ ሳዕስዒት ክእለታትን ኣሰልጣናይን
  • ናይ ተዋስኦ ክእለት፣ ዳይሬክቲንግን ናይ ትያትር ስራሕቲ
  • ናይ ፈጠራ ክእለትካ ብዝበለጸ ምዕባይ
  • ክልስ ሓሳባዊ ትምህርቲ

ክኾኑ ዘለዎም

ብዘለዎም ናይ ትምህርቲ ፍልጠት መሰረት:
  • ሙዚቃ ዘድንቕ፣ ኣብ ምድራፍ ንፉዕ ዝኾነ ወይ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ክጻወት ዝኽእል
  • ኣብ ሳዕስዒት ንፉዕ ዘኾነ
  • ኣብ መድረኽ ምረኢት ከርኢ ድልየት ዘለዎ
  • ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ብዙሕ ንምልምማድ ድልየት ዘለዎ፣ ኣብ ትምህርቲ ሰዓት ኮነ ካብ ትምህርቲ ሰዓት ወጻኢ
  • መሃዝነት
    ፍርቂ እቶም ተመሃሮ ናይ Vg1 ብመእተዊ ፈተና ወይ ናይ ክእለት መዝገቦም ተራእዩ ክምዝገቡ ይኽእሉ።

መወዳእታ ተማዕብሎ

  • ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ተወሳኺ ደረጃ ትምህርቲን ክትወስድ ትኽእል።

ዝላዓለ ትምህርቲ እንተወሲድኩም፣ ገለ ካብቶም ክትኮንዎም ትኽእሉ ሞያታት፥

  • ሳዕሳዓይ፣ ኪሮግራፈር ወይ ናይ ሳዕሲዒት መምህር
  • ደረፊ፣ ናይ ሙዚቃ መምህር ወይ ናይ ሙዚቃ ኪኢላ
  • ተዋሳኣይ፣ ናይ ድራማ ቦታ ነዳፊ
    ብተወሳኺ ኻሊእ ሞያዊ ትምህርቲ ምውሳድ ይካኣል እዩ --ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬት እነተለካ ናብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ።

ናይ ስራሕ ቦታ ክኾኑ ዝኽእሉ

  • ተውኔት ወይ ቲያትር
  • ናይ ሙዚቃ ጉጅለ፣ ሙዚቃ ዝድገሰሉ ኣዳራሽ ወይ ባንድ
  • ገዛ ይኹን ትምህርቲቤታትን ምክንኻን

ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ

.ብሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ናብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ። ነገር ግን ሓደሓደ ትምህርትታት ፍሉይ ናይ ምቅባል ጠለባት የድልዮ እዩ።

  • መእተዊ ፈተና: ናይ ወተደራዊ ሓይልን ናይ ነርወይ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኣካለዊ መመዘንታት ኣለውዎም። ናይ ስፖርትን ኣካለዊ ምንቅስቃስን ትምህርቲ እንድሕር ወሲድኩም ናይ ኣካለዊ ምንቅስቃስ ፈተና ንምውሳድ ጽቡቕ መሰረት ይህልወኩም።
  • ናይ ሳይንስ መምዘኒታት : ሓደ ሓደ ትምህርትታት ዝተወሰነ ናይ ሳይንስ ፍልጠት ክትሕዝ ይሓቱኻ እዮም። ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርትታትን። ኣብዚ ዝስዕብ ንዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ናይ መእተዊ መመዘኒታት ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም samordnaopptak.no። ኣብ ሓደሓደ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኩሎም ዘድልይዎም ሳይንሳት ንምስታፍ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲታት ምስ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስን ሒሳብን ፍለይ ትምህርቲ Vg2 ከምኡውን Vg3 እንተወሲዶም፣ እቲ ዘድልዮም ሳይንስ ናይ ምውሳድ ዓብዪ ዕድል ይህልዎም።

Valg av fag i utdanningsprogram for musikk, dans og drama

  • Tre programfag kan du velge selv, ett på Vg1, ett på Vg2 og ett på Vg3.
    • De valgfrie programfagene kan være videre spesialisering innen dans, drama eller musikk og/eller fag fra et annet programområde i studieforberedende utdanningsprogram (for eksempel realfag eller fremmedspråk).
    • Det er opp til skolen din hvilke programfag som tilbys.
    • Hadde du ikke fremmedspråk på ungdomstrinnet? Da må du ta fremmedspråk som fellesfag på Vg3 istedenfor ett av de to valgfrie programfagene på Vg3.
  • Har du spesielle framtidsdrømmer? Da bør du sjekke opptakskravene til studiene, før du velger fag.
  • Programfag i fremmedspråk og realfag gir tilleggspoeng ved opptak til høyere utdanning.