እዚ ትመሃሩ
- ኣካላዊ ንጥፈታትን ስልጠናን
- ምሕደራ ስልጠና
- ብዛዕባ ጥዕና፣ ኣመጋግባን ናይ ሰውነት ቅርጽን
- ክልስ ሓሳባዊ ትምህርቲ
ክትኮኖ ዘለካ
- ኣብ ጥዕናን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ግዱስ
- ኣብ ናይ ትምህርቲ ሰዓት ኮነ ወጻኢ ኩሉግዜ ንስልጠና ድልዊ
- ኣብ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ስፖርትታት ጎበዝ ዝኾነ
ፍርቂ እቶም ተመሃሮ ናይ Vg1 ብመእተዊ ፈተና ወይ ናይ ክእለት መዝገቦም ተራእዩ ክምዝገቡ ይኽእሉ።
መወዳእታ ተማዕብሎ
- ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ከሙውን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል።
ዝላዓለ ትምህርቲ እንተወሲድኩም፣ ገለ ካብቶም ክትኮንዎም ትኽእሉ ሞያታት፥
- በዓል ሞያ ምንቅስቓስ ኣካላት ወይ ፊዝዮተራፒስት፣ ናይ ስፖርት ስነ ልቦና ባዓል ሞያን ናይ ውልቀ መምህርን
- መምህር፣ ናይ ስፖርት መማኸሪ ኣብ ዙርያ ጥዕናን ኣካላዊ ምንቅስቃስን
- መራሒ ናይ ተፈጥሮኣዊ ግዳማዊ ሂወትን ቱሪዝምን።
- ፖሊስ ወይ ወታደር
ብተወሳኺ ኻሊእ ሞያዊ ትምህርቲ ምውሳድ ይካኣል እዩ --ሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬት እነተለካ ናብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ።
ናይ ስራሕ ቦታ ክኾኑ ዝኽእሉ
- ትምህርቲቤታት
- ናይ ስልጠና ማእከላት ወይ ናይ ስፖርት ማሕበራት
- ናይ ክንክን ትካላት
- ወታደራዊ ኣገልግሎትን ፖሊስን
ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ
.ብሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ናብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ። ነገር ግን ሓደሓደ ትምህርትታት ፍሉይ ናይ ምቅባል ጠለባት የድልዮ እዩ።
- መእተዊ ፈተና: ናይ ወተደራዊ ሓይልን ናይ ነርወይ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኣካለዊ መመዘንታት ኣለውዎም። ናይ ስፖርትን ኣካለዊ ምንቅስቃስን ትምህርቲ እንድሕር ወሲድኩም ናይ ኣካለዊ ምንቅስቃስ ፈተና ንምውሳድ ጽቡቕ መሰረት ይህልወኩም።
- ናይ ሳይንስ መምዘኒታት : ሓደ ሓደ ትምህርትታት ዝተወሰነ ናይ ሳይንስ ፍልጠት ክትሕዝ ይሓቱኻ እዮም። ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርትታትን። ኣብዚ ዝስዕብ ንዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ናይ መእተዊ መመዘኒታት ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም samordnaopptak.no። ኣብ ሓደሓደ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኩሎም ዘድልይዎም ሳይንሳት ንምስታፍ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲታት ምስ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስን ሒሳብን ፍለይ ትምህርቲ Vg2 ከምኡውን Vg3 እንተወሲዶም፣ እቲ ዘድልዮም ሳይንስ ናይ ምውሳድ ዓብዪ ዕድል ይህልዎም።
Valg av fag i utdanningsprogram for idrettsfag
- Tre programfag kan du velge selv, ett på Vg1, ett på Vg2 og ett på Vg3.
- De valgfrie programfagene kan være videre spesialisering innen idrettsfag og/eller fag fra annet programområde i studieforberedende utdanningsprogram (for eksempel realfag eller fremmedspråk).
- Det er opp til skolen din hvilke programfag som tilbys.
- Hadde du ikke fremmedspråk på ungdomstrinnet? Da må du ta fremmedspråk som fellesfag på Vg3 istedenfor det valgfrie programfaget på Vg3.
- Har du spesielle framtidsdrømmer? Da bør du sjekke opptakskravene til studiene, før du velger fag.
- Programfag i fremmedspråk og realfag gir tilleggspoeng ved opptak til høyere utdanning.