ህንጻን ምህናጽን

ዝተመሃርካዮ

  • ሓደሽቲ ህንጻታትን መሳለጥታትን ምስራሕን ምቕናዕን
  • ህንጻታትን መሳለጥታትን ምሕዳስን ምጽጋንን
  • ብዛዕባ ክሊማን ተክኖሎጅን
  • ንድፍታትን መግለጺታትን ቀመራትን ምጥቃም
  • ብዛዕባ ጽፈትን ድሕንነትን
  • ፍልጠት ብዛዕባ መሳርሒ ህንጻ

ክትከውን ዘለካ

  • ብተግባር መስተውዓልን በእዳውካ ምስራሕ ድማ ጎበዝ ኩን
  • ርእስኻ ዝኸኣልካን ልክዕ
  • ምስ ካልኦት ሰባት ምትሕብባር ጎበዝ

ክትኮኖ ትኽእል

  • ናይ መንገድን ናይ ምህናጽ ሰራሕተኛ ወይ ድማ ጽርግያ ሰራሒ
  • ላንድስኬፐር፣ ናይ ጀርዲን ወይ ድማ ናይ ኮንስትራክሽን ማሽን ኦፕሬተር
  • ቀልም ለኻይ፣ ነዳቓይ፣ ጸራባይ ወይድማ ኢድራውሊኮ ገጣሚ ቱቦታት
  • ስካፎልደር፣ ናይ ናሕሲ ወይድማ ቲንስሚዝ
  • ናይ ዕንጨይቲ ስራሕ ጸራባይ ወይድማ ገጣሚ መረጼን
    ኩሎም ሞያታትን ብቕዓታትን ረአዩ

ናይ ስራሕ ቦታ

  • wናይ ህዝባውን ናይ ግልን ትካላት
  • ዓበይትን ነኣሽቱን ናይ ኢደጥበብ ትካላት
  • ናይ ኢንዳስትሪ ወይድማ ኮንስትራክሽን ትካላት

ዝለዓለ ትምህርቲ

ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ሞያዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ይጠቅም (ዋላውን ናይ ንግዲ ፍቓድ ወይ ሰርቲፊኬት እንተዘይብልኩም). ሞያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ምስ ወድኡ ስራሕ ወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ክጅምሩ ይኽእሉ:

  • ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ናይ ሞያ ኮሌጅ ዝለዓለ ትምህርቲ ክወስዱ ይኽእሉ። A ሳልሳይ ብርኪ ናይ ሞያ ትምህርቲ ሓጸርቲ ናይ ሞያ ስልጠናታት ማለት ቅድሚ ሕጂ ናይ ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ንዝወሰዱ ዝወሃብ እዩ::
  • ክወስድዎ ዝኽእሉ Vg3 ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ተወሳኺ ፕሮግራም
    – ድሕሪ Vg2 ወይ
    – ሞያዊ ብቕዓት ምስ ጨበጡ።
    ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምውሳድ ዕድል ሽዑ ክህልዎም እዩ። ሓደሓደ ናይ መጽናዕቲ ፕሮግራማት፣ ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርቲታትን ዝተወሰኑ ናይ ሳይንስ ትምህርቲታት ክህልዎም ከምዘገድዱ ይዘክሩ
  • ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ ድሕሪ ናይ መጀመርያ ኮርስ ወይ ብ Y- path ክምዝገቡ ይኽእሉ፣ እዚ ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ትምህርቲ ዝወስድ መንገዲ እዩ። እቲ Y- path ንተዛማዲ ሞያዊ ልምዲ ዘለዎም ዝተሓሰበ እዩ. Preliminary courses and the Y-pathብበዝሒ ንሳይንስን ኢንጅነሪንግ ትምህርቲታትን ዘገልግል እዩ።