ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛ-ን ናይ ዝለዓለ ካልአይ ብርኪ ትምህርቲን ስልጠናን ዝኸፍል መን እዩ?
ትምህርቲን ስልጠናን ኣብ ህዝባዊ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ቤታታን ኣብ ስልጠና መዋቕርን ብነፃ እዩ። ተምሃሮ ኣብ ዓርሱ ዝኸኣለ ትምህርቲ ቤት(ናይ ግሊ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ቤት) ናይ ትምህርቲ ቤት ገንዘብ ክኸፍሉ ኣለዎም።
እዞም ቀፂሎም ዘለዉ ኣሰራርዓታት ን ኩሉ ተምሃራይ የገልግሉ:
- ዝተጸሓፉን ዲጂታል ኣመሃህራ ረዲኢታትን ዲጂታል መሳርሕታትን ነፃ እዮም፣ ኣብ ክልቲኦም ናይ ህዝባዊ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ኣብ ናይ ግሊ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርተታትን ን ናይ ህዝባዊ ፈንድዳት ዝግብኦም።
- እዚ ትምህርቲ ቤት እንድሕር ኣመሃህርኡ ኣብ ገዛን ትምህርቲ ቤትን ኮምፒዩተር ክጥርንፎም ደልዩ፣ እዚ ትምህሪቲ ቤት ላፕ ቶፕ ክህቦም ኣለዎ። እዚ ትምህርቲ ቤት ነዛ ኮምፒዩተር ዓመታዊ ፕሪምየም ከኽፍለኩም ይኽእል።
ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክወሃቡኹም ዝኽእሉን ናይ ኣሰራርዓ ሓገዝ ከንብቡን ይኽእሉ። በጃኹም እዚ መጠንን ሕጊን ን 2022-2023 ዘገልግል ሙዃኑ ዘክሩ።
መሳርሒ ፈቓድ
ኹሉ ተምሃሪ ናይ ከም መንእሰይ ናይ መሳርሒ ናይ ምልቓድ ፈቓድ ሕጊ መሰል ኣለዎ።
- ተምሃሮ ወለዶም ክንደየናይ ኣታዊ ከም ዘለዎም ብዘየገድስ ረድኤት ክረኽቡ ኣለዎም።
- ተምሃሮ ን መሳርሒ እርዳት ክምዝገቡ ከለዉ፣እ ቲ መለቕሒ በቀጥታ ናይ ካልኦት ረዲኤት ከም ዘለዎም የረጋግጽ።
- ናይ እቲ ረዲኤት መጠን ኣበየናይ ትምህርታዊ ፕሮግራም ይምስረት፣ ካብ NOK 1,118 እስካብ NOK 4,603.
- ተለማማዲ፣ ስልጠና ተወዳዳሪን ተግባራዊ ስልጠናን ምስከር ወረቐት ተወዳደርቲ ናይ መሳርሒ እርዳታ ኣይረኽቡን አዮም።
ናይ ገዛ ረዲኤት
ተምሃራይ ካብ ገዛ ናይ ትምህርቲ ቤት ክኸድ እንተኾይኑ፣ ናይ ገዛ ረዲኤት ካብ NOK 4,979 ብ ወርሒ ናይ ገዛ ረዲኤት ካብ ልቓሕ ፈንድ ክረክብ ይኽእል እዩ። እዚ ረዲኤት ንምርካብ፣ እዚ ተምሃራይ ንዞም ቀጺሎም ዘለዉ ከማልእ ኣለዎ:
- እዚ ትምህርቲ ቤት ካብ ቤተ ሰብ ልዕሊ 40ኪሎሜትር ክኾን ኣለዎ።
- ጠቕላላ ጉዕዞ ሰለስተ ሰዓት ወይም ልዕሊዑ።
- ዝተፈለየ ምኽንያት ኣለዎም ኣብ ትምህርቲ ግዜ ኣብ ገዛ ንለይምንባር።
እዚ ረዲኤት ን ለማጅነት& ናይ ሕፁያት ስልጠናን ናይ ሕፁያት ተግባራዊ ስልጠናን ካብ 2022 -2023 ተፈቲኑ ማለት እዩ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ልዕሊ NOK 15,723 ብወርሒ እንተኮይኑ እቲ ረዲኤት ቀስ ብ ቀስ እንዳቀነሰ ይኸድ።
መሰረታዊ እርዳታ
መሰረታዊ እርዳታ ማለት ስጦታዊ እርዳታ ን ናይ ተምሃሮ ወጪታት ካብ ትሑት እቶት ዘለዎም ቤት ሰብ ዝወጽ። መሰረታዊ እርድታ ዝረኽቡ ኣብ ወርሒ NOK 3,489 ክረሕቡ ይኽእሉ ተወሳኺ ኣብ lanekassen.no/ የንብቡ።
ካልኦት ረዲኤታትን ፈቓዳተነ
ተምሃሮ& ናይ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ስልጠናን ለማጅነትን ሕፁያት ካብ እቲ መለቀሓይ ኣካል ልቓሕን ካልኦት ረዲኤታትን ክሓቱ ይኽእሉ' ኣብ www.lanekassen.noተወሳኺ ሓበሪታ ኣሎ። ናብ ብዙሓት ረዲኤታትን ናይ ትመህርቲ ሓገዛትን& ንዝበለፀ ትምህርቲ& ባህልን ፅንዓትን ከምኡ ውን ማሕበረ ሰባዊ ሓገዝ ምምልካት እውን ይከኣል አዩ' www.legathandboken.no, ወይም ድማ ኣብ ላይብላርይ ወይ ኣብ መጽሓፍ መደብር ይጠይቑ"Legathåndboken" (ኖርወያን ጥራሕ)። ይመልከቱ
Ingen fylker har tilleggsinformasjon til dette punktet