ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ን ናይ ቋንቋ ሕፅረት ንዘለዎም



ናይ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋኦም ካሊእ ንዝኮነ ሰባት ቋንቋ ኖርወይ ከይመለኹ ትምህርቲ ምክትትታል ኣፀጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ' ናይ ቋንቋ ኖርወይ ክእሎቶም ውሱን እንድሕር ኮይኑ ፉሉይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎም(ምልማድን ምጥንኻርን ቋንቋ ትምህርቲ)'

ቅድም ቀዳድም ፉሉይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ንምውሳድ ክተመልክት ይግባእ'

  • ፍሉይ ትምህርቲ ብኖርወይኛ (ምጥንኻር ትምህርቲ ብኖርወይኛ),
    ግን ክቐርበልካ እውን ይኽእል'
  • ትምህርቲ ናይ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋ (>ትምህርቲ ብኣፍ መፍትሒ ቋንቋ,
  • ብክልተን ካበኡ ንላዕልን ዝወሃብ ትምህርቲ (ካልኦት ትምህርትታት ብናይ ባዕልኻ ቋንቋ ምምሃር)'

እቲ ቤት ትምህርት ንድልየትካ ክፈልጥን ትልሚ ከውፅእን ይግባእ'

  • >እቲ ቤት ትምህርት ናይ ኖርወይኛ ቋንቋ ዘለካ ክእልት ክፈለጥ ይግባእ ቅድሚ ፍሉይ ትምህርቲ ብኖርወይኛ ክትወስድ ወይ ከይተወስድ ምውሳኑ'
  • እቲ ቤት ትምህርት ዘለካ ናይ ኖርወይኛ ቋንቋ ኣብ እዋን ትምህርቲ ክፈልጥን ክውስንን ከምኡ እውን ናብ ናይ ስሩዕ ትምህርቲ ማዓዝ ክትሰጋገር ከም ዘለካ ክውስን ይኽእል'

ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርወይኛ ንክትወስድ እተመልክቶ ብኻልእ ቋንቋ እዩ ክሳብ ናይ ቋንቋ ኖርወይኛ ክእለትካ ዝዓብን ስሩዕ ትምህርቲ ምክትታል እትጅምርን'

ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርወይኛ

ትምህርቲ ቋንቋ ኖርወይኛ ክተዕቢ እንድሕር ደሊኻ ሰለስተ መማረፅታት ኣለው '

1. እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዘዳለዎ ትምህርቲ ብቋንቋ ኖርወይኛ ምውሳድ ቋንቋ ኖርወይኛ ንዘፀግሞም ዝተዳለወ ስርዓተ ትምህረቲ እዩ'

  • እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዕድኹም መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ ደረጃ ክእለትኩም መሰረት ዝገበረ እዩ'
  • እዚ ስርዓተ ትምህርቲእንድሕር ዘይተኸታተልኩም ውፅኢት ኣይወሃበኩሙን'
  • እቲ ስርዓተ ትምህርቲ እትከታተልዎ ክሳብ ናብ ስሩዕ ስርዓተ ትምህርቲ ብ ቋንቋ ኖርወይኛ እትሰጋገሩ እዩ'

2. እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብዘዳለዎ ትምህርቲ ብቋንቋ ኖርወይኛ ምውሳድ ቌንቌ ኖርወይኛ ንዘፀግሞም ዝተዳለወ ስርዓተ ትምህረቲ ንሓፂር ኣዋን ኣብ ኖርወይ ተቀሚጦም ክወስዱ ይኽእሉ'

  • ሓፂር ናይ መንበሪ ዘመን ዝበሃል ካብ ሽዱሽተ ዓመት ንታሕቲ ክኸውን ከሎ እዩ'
  • እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብሰለስቲኦም መማረፅታት ክውሰድ ይኽእል እዩ'
  • ናይ መወዳእታ መመዘኒ ውፅኢት ፈተና እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ተዋሂብካ ኣሎ'

3. ስሩዕ ስርዓተ ትምህርቲ ብ ቋንቋ ኖርወይኛ ክትከታተል ትኽእሉ ኢኹም ብናይ ኖርወይኛ ዝተመሓየሸ ድጋፍ '(ብዝተመሓየሸ)

, ቋንቋ ኖርወይኛ እንድሕር ኣማዕቢልካ ካብ ትምህርትን ምዘናን ብፅሑፍ ቅጥዒ ቋንቋ ኖርወይኛ ካልአይ ቋንቋኦም ዝኾኑ ትወፅእ

ብኣፍ መፍትሒ ቋንቋኻ ምምሃር

>ናይ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋኻ ንምምዕባል ዕድል ይወሃበካ እዩ'

  • እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብኣፍ መፍትሒ ቋንቋኻ ናይ ቋንቋ ፀገም ንዘለዎም ከም መጀመሪ ደረጃ ትምህርቲ እንበር ዕድመ ማእኸል ዝገበረ ኣይኮነን'
  • >ብኣፍ መፍትሒ ቋንቋኻ ምምሃር ማለት ዘለካ ናይ ምንባብን ምፅሓፍን ክእለት ዘማዕብል እዩ እዚ ድማ ቋንቋ ኖርወይኛ ንክትመሃር ዓብይ ሓገዝ ይገብረልካ'
  • እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ካልኦት ቤት ትምህርቲ ክወሃብ ይኽእል እዩ'*

    ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ብዘኾነ ቋንቋ ምምሃር

    ኣብ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ብዘኾነ ቋንቋ ክትመሃር ክፍቀደለካ ይኽእል እዩ'

    • ኣብ ምምሃር ዓይነታት ትምህርቲ (ንኣብነት ኣብ ተፈጥሮን ሕብረተሰብ ሳይንስን) ብክልቲኡ ብኣፍ መፍትሒ ቋንቋኻ ኖርወይኛን ይዋሃብ'
    • በዚ መልክዕ ዘይተረደአካ ወይ መብርሂ እትደልየሉ ብቐሊሉ ክበርሃልካ ይኽእል'
    • በዙሕ ቋንቋ ምምሃር ንኩሉ ዓይነት ትምህረቲ ይጠቅም'
    • እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ትምህርት ቤትኩም ክወሃብ ይጋባእ'*

    * እንድሕር ብኣፍ መፍትሒ ቌንቌኻ ከምህርካ ዝኽእል መምህር እንድሕር ዘየለ ወይ ድማ ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ብዘኾነ ቋንቋ ዘምህር ዘየለ ካልእ ትምህርቲ ንስኻ ብእትደልዮ ዝተመሓየሸ ትምህርቲ ይወሃበካ'

Velg fylket ditt!

Disse fylkene har tilleggsinformasjon til dette punktet: