ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ስልጠናን እንታይ ማለት እዩ?
ናይ 10 ዓመት ትምህርቲ ምስ ዛዘሙ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ስልጠናን ክወስዱ ይኽእሉ::
- ንላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ስልጠናን በኣካል ተረኺብኩም ክተመልክቱ ይግባእ::
- ሰለስተ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣብቲ ናይ መመልከቲ ምልኡ::
- ካብቶም ዝተመረፁ ሰለስተ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ብሓዲኡ ተቀባልነት ትረክብ::
ኣየናይ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ምመረፅካ?
ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 15 ዝኣኽሉ ክትመርፆም እትኽእል ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣለው' እቶም ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣብ ዘተፈላላዩ ናይ ትምህርቲ መደባት ዝተጠመሩ እዮም፥ ንኣብነት ኣብ ስፖርትን አካላዊ ጥንካረን፥ መብራህቲን ኤሌክትሮኒክስን፥ ግብርና፥ ምርባሕ ዓሳን ስነ እፅዋትን' ኣየናይ ናይ ትምህርቲ ፐሮግራም ንዓኹም ከም ዝምችው ምስ ድልየትኩም ዝኸድን ክትፈልዩ ይግባእ::
ሓፈሻዊ መፅናዕቲ ወይ ሞያዊ ትምህርቲ?
ኣብ ሞንጎ ሓፈሻዊ መፅናዕቲን ሞያዊ ትምህርቲ ኣፈላላይ ጌርናሎም ኢና'
- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ወይም ዩኒቨርሲቲ ቡዙሓት መፅናዕትታት ብምውሳድ ባዕልኻ ምርኣይ ይካኣል እዩ? ሓፈሻዊ መፅናዕትታት ንዝላዓለ ትምህርቲ የዳልውኻ' 5 ናይ ሓፈሻዊ መፅናዕቲ ትምህርትን ፕርግራማትን ኣለው::
- ድሕሪ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ስልጠናን ናይ ተግባር ሞያዊ ስልጠና ክትወስድ ትደሊ ዶ? ሞያዊ ስልጠና ናይ ሞያ ብቕዓት መረጋገፂ ስለ ዝህበካ ናብ ናይ ስራሕ ዓልም ክትኣትው ትኽእል ኢኻ' 10 ናይ ሞያ ስልጠና ፕሮግራማት ኣለው::
- ናይ ሞያ ትምህርቲ እንድሕር መሪፆኩም፣ ድሕሪ ናይ ሞያ ትምህርቲኹም ምውዳእን ስልጠናኹም ድሕሪ ምሕላፍን ብዙሕ ትምህርቲ ናይ ምውሳድን ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስኻዕን ዕድል ይህልወኩም::
እንታይ ክትመርፁ ከም ትደልዩ እርግፀኛታት ኣይኮንኩምን ዲኹም?
- ምስ ናይ ትምህርቲን ሞያን መማኸርቲ ኣብ ትምህርቲ ቤትኩም ብዛዕባ ኣየናይ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ንዓኹኦም ፅቡቅ ከም ዝኾነ ተዘራረቡ::
- ድሌትኩም ክተቐምጥሎም ትኽእሉ ናይ ኢንተርነት ሓገዛት አለዉ' ንምንታይ እቲ ፈተና ዘይትፍትንዎ “እንታይ ከም ዝስማዓኩም?”;እቶም ሕቶታት አብ ናይ vilbli.no ናይ መጀመርያ ገፃት ክትረኽብዎም ትኽእሉ' እንታይ ዓይነት ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ብምፍታን ክትጅምሩ ከም እትኽእሉ ፍንጪ ይህበኩም::
Ingen fylker har tilleggsinformasjon til dette punktet