ሓበሬታ ኣበይ ምርካብ ትኽእሉ?
ፅቡቕ መማኸሪ ንምዃን&ናይ አዚ ግዘ ናይ ትምሀርቲ ስርዓት ክልቴኸም ክትፈልጡ ኣለኩም' ብብዙሕ መንገዲታት ተዛማዲ ሓበሬታ ምርካብ ትኽእሉ:
- ታሕተዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ናይ ሓበሬታ ኣኼባ& ናይ መፃኢ ናይ ስራሕ መማረፂታትን እቶም ቆልዑት ካብ ቤት ትምህርቲ ዘምፅእዎ የዳልዉ እዮም'
- መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ወለድን/ሓብሓቢን ናይ ሓበሬታ ኣኼባታት አለው
- ናብ «ክፍቲ መዓልትታት» ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትመህርቲ ወይ ድማ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዝግጅታት ክትመፁ ትኽእሉ'
- ብተወሳኺ ነቲ ናይ ትምህርቲን ሞያን መማኸሪ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ መማረፂታት ንምዝርራብ ንውልቃዊ ዝርርብ ምሕታት ትኽእሉ
- ብዛዕባ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ vilbli.noክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም'
Ingen fylker har tilleggsinformasjon til dette punktet