እቲ ትምህርቲ ቤት ካባኹም ከም ወጣታት እንታይ ይፅበ?
ከም ወጣት ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክትኽተልወም ዝግብኡ ሕግታት ኣለዉ' ከም ወጣት ዝህልውኹም ግቡኣት ትፈልጡ ዲኹም'
ኣብ እቲ ምምሃር ናይ ምርካብ ግቡእ
ናይ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምምሃርን ኣብ ናይ እቲ ትምህርቲ ንጡፍግደ ውሰዱ
- ካብ ምምሃር ክትተርፉ እንተድኣ ኮይንኩም ምትራፍኩም ክትመዝግቡ ኣለኩም'
- ትርጉም ዘይብሉ ወይ ዘየተመዝገበ ምትራፍ ማለት ውፅኢት አይህሉን ማለተ እውን ክኸውን እዩ' ከም ዋና ሕጊ ካብ 10 % ንላዕሊ ዘይተመዝገበ ምትራፍ ኣብ እቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ውፅኢት ኣየውህብን'
- ኩሉ ዝተረፍክምዎ ኣብ እቲ ምስክር ወረቐት ክምዝገብ እዩ& እቲ ምትራፍ ፍቑድን ምዝጉብን እንተኾይኑ ግን ናይ 10 መዓልቲ ቀነስ ክግበረሎም ይኽእል'
ብዙሕ ኣንብቡ ናይ ዘይምህላው ሕግታት.
ንናይ ፍቑድ ምትራፍ ማመልከቻ ኣቕርቡ
ብሕማም ምኽንያት ካብ ምምሃር እንድሕር ተሪፍኩም& ምትራፍኩም ኣብ ውፅኢትኩም ወይ ምስክር ወረቐትኩም ሳዕቤን ከምፅእ ስለ ዝኽእል ማመልከቻ ኣቕርቡ
ቕቡላት ናይ ምትራፍ ምኽንያታት:
- ናይ ጥዕናን ደሀንነትን ምኽንያት (ንናይ ሕማም ምኽንያታት ናይ ዶክተር ምስክር ወረቐት)
- ከም ዝተመረፀ ወኪል ኮይንኩም ስርሑ
- ፖለቲካዊ ስራሕ
- ድንገተኛን ናይ ምድሓን ስራሕን
- ብሕጊ ዘድሊ ኣቴንዳንስ
- ብብሄራውን ዓለም ለኻውን ኣብ ዝህልዉ ምዳዋት ምውካል(ንኣብነት ስፖርት ወይ ባህሊ)
- ካብ ናይ ኖርወይ ቤተ ክርስትያን ወፃኢ እምነት ተኸተልቲ ናይ ዝኾኑ ሰባት ሃይማኖታዊ ፌሽታ (ክሳብ 2 ናይ ትምህርቲ መዓልትታት)
ምስ እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መማኸሪ ምርኻብ& ኣብ ናይ እቶም ተምሃሮ ምኽሪ ቤት ምስራሕን ምስ ናይቲ ትምህርቲ ዓይነት መምህር ወይ ርእሰ መምህር ብምስምዕማዕ ዝተዳለዉ መፅናዕትታት ከም ምትራፍ ኣይሕሰቡን'
ኣብ ናይ እቲ ትምህርቲን ቁፅፅርን ኩነታት ንጡፍ ዝኾነ ግደ ይሃልወኩም
- እቲ መምህር ብቕዓትኩም ንክፍትንን ኣብ እቲ ዓይነት ትምህርቲ ንሱ ውፅኢትኩም ንክህበኩምን ንውፅኢት ምሃብ ዝምቹ ጥጡሕ ባይታ ክህልዎ ኣለዎ'
ናይ ቤት ትምህረቲ ሕገታት ተኸተሉ
- ልዑል ናይ ምትራፍን ናይ ቤት ትምህርቲ ሕግታት ምጥሓስን ነይ ፀባይ ወይ ፅፈት ውፅኢት ናይ ምቕናስ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል'
Ingen fylker har tilleggsinformasjon til dette punktet