Vis meny

ህንጻን ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕን

ሞያዊ

እዚ ትመሃሩ

  • ናይ ሓደሽቲ ህንፃታትን ተኽልታትን ምህርቲታን ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕትን
  • ናይ ህንፃታትን ተኽልታትን ዳግመ ምህናፅን ፅገናን
  • ብዛዕባ ቴክኒካል ምዝርጋሕ
  • ብዛዕባ ፅፈትን ድሕንነትን
  • ናይ ናውቲ ፍልጠት

ክኾኑዎ ዘለዎም

  • ብኣእዳዎም ኣብ ምስራሕ ጎበዛት ይኹኑ ከምኡ ውን ተግባራዊ ስራሕ ዝኣምን ሓንጎል ዘለዎም እውን ይኹኑ
  • ዘይጽግዕተኛን ብጣዕሚ ጥንቁቕን
  • ምስ ካልኦት ኣብ ምትሕብባር ጎበዛት ይኹኑ

ክኾኑዎ ዝኽእሉ

  • ናይ መንገዲን ኮንስትራክሽን ሰራሕተኛን ወይ ኣስፋልት ሰራሒን
  • ናይ ባቡር ሃዲድ መጔዓዓዝያ ሰራሕተኛ ወይ ናይ ህንጻ ተሽከርካሪ/ናይ ማሽናት ተቆጻጻሪ
  • ቀለም ቀላሚ፣ ነዳቂ፣ ዕንጸይቲ ስራሕቲ ሰራሒ ወይ ናይ ቡንቧ ሰራሕተኛ
  • መደያየቢ ሰራሒ፣ ሳንቃ ሰራሒ ወይ ብረታ ብረት ቀጥቃጢ
  • ናይ ዕንጸይቲ ስራሕቲታት ሰራሕተኛ ወይ መስትያት ሰራሒ
    ኩሎም ሞያታትን ብቕዓታትን ረአዩ

ናይ ስራሕ ቦታታት ክኾኑ ዝኽእሉ

  • ናይ ህዝብን ናይ ግልን ናይ ንግዲ ትካላት
  • ዓበይቲን ኣናእሽተይን ናይ ኢድ ሞያ ናይ ንግዲ ትካላት
  • ኢንዱስትሪያዊ ወይ ናይ ንግዲ ቦታ ሓለፍቲ ናይ ንግዲ ትካላት

ዝለዓለ ትምህርቲ

ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ሞያዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ይጠቅም (ዋላውን ናይ ንግዲ ፍቓድ ወይ ሰርቲፊኬት እንተዘይብልኩም). ሞያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ምስ ወድኡ ስራሕ ወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ክጅምሩ ይኽእሉ:

  • ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ናይ ሞያ ኮሌጅ ዝለዓለ ትምህርቲ ክወስዱ ይኽእሉ። A ሳልሳይ ብርኪ ናይ ሞያ ትምህርቲ ሓጸርቲ ናይ ሞያ ስልጠናታት ማለት ቅድሚ ሕጂ ናይ ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ንዝወሰዱ ዝወሃብ እዩ::
  • ክወስድዎ ዝኽእሉ Vg3 ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ተወሳኺ ፕሮግራም
    – ድሕሪ Vg2 ወይ
    – ሞያዊ ብቕዓት ምስ ጨበጡ።
    ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምውሳድ ዕድል ሽዑ ክህልዎም እዩ። ሓደሓደ ናይ መጽናዕቲ ፕሮግራማት፣ ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርቲታትን ዝተወሰኑ ናይ ሳይንስ ትምህርቲታት ክህልዎም ከምዘገድዱ ይዘክሩ
  • ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ ድሕሪ ናይ መጀመርያ ኮርስ ወይ ብ Y- path ክምዝገቡ ይኽእሉ፣ እዚ ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ትምህርቲ ዝወስድ መንገዲ እዩ። እቲ Y- path ንተዛማዲ ሞያዊ ልምዲ ዘለዎም ዝተሓሰበ እዩ. Preliminary courses and the Y-pathብበዝሒ ንሳይንስን ኢንጅነሪንግ ትምህርቲታትን ዘገልግል እዩ።

ከምህንጻን ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕን